ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ክዕረቐና ዝደሊ ወትሩ ተጸባዪ ኣቦ ( ጥበብ ሲራ.17፣24-28)
ኢየሱስ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ‘’መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ሞ ተነስሑ ብወንጌል እመኑ’’ ብምባል ኣብዚ ምድር’ዚ ተልእኮ ክፍጽም ዝመጻሉ ዕላማ ኅድገት ሓጢኣትን ድሕነት ከም ዝኾነ ኣበሰረ; ሕይወት ክርስቶስ መድሓኒና ከነስተንትን ኣብኡ ድማ ብፍልይ ዝበለ መንገዲ ምስ ገዛእ ርእስና እናተዋሳእና አምላኽ ውሽጥና ክልውጥን ክፍትሽን እናፍቀድና ካብ እግዚኣብሔርን ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርቅን ፈውስን ክንረክብ ኣብ መስቀል ምእንታና ዘፍሰሶ ደም እናስተውዓልና ንስሓን ምምላስን ንገብረሉ ኪኸውን የድልዮ; ኢሳይያስ ነቢይ ኣብ ትንቢቱ ከምዝነግረና‘’ ንእግዚኣብሔር በቲ ዝርከበሉ ግዜ ድለይዎ ቐረባ ከሎ ድማ ጸውዕዎ’’(ኢሳ.55:6) ይብል; እግዚኣብሔር ንመድኃኔ ዓለም ኣካሉ ብምልኣኽ ነቲ ኣቦና ኣዳም ዝኸሰሮ ድሕነትን ጽድቅን ቅድስናን ምእንቲ ኪመልስ ናይ ኩሉ ውሉደ ኣዳም ድኻምነትን ሓጢኣትን ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ኣብ መስቀል ብምሟት ምስ ርእሱ ዓረቐና
ቅዱስ ዳዊት ’’ኃጢኣተይ ከይተነሳሕኩ ኣብ ልበይ እንተዝሕዞ እግዚኣብሔር ኣይምሰምዓንን ነይሩ’’ (መዝ.66:18) ይብል። ቅዱስ መጽሓፍ ንዳዊት ሓጢኣት ከምዝገበረን ንፁሕ ከምዝይኮነ ይጠቕሶ፣ እንተኾነ ዳዊት ኣብ ቕድሚ ኣምልኽ ተነሲሑ እንደገና ንሕይወቱ ብመገዲ እግዚኣብሔር ከምዝመርሓን ኣብ ቅኑዕ መገዲ ከምዝተመልሰን ፈጣሪ ድማ ንኹሉ ልመናኡን ንስሕኡን ከምዝተቐበሎ ይፍለጥ፣ ኣምላኽ ንሓጢኣተኛ ዘይምሕር እንተዝኸውን ሓጢኣተኛ ሰብ ናብኡ ክመጽእ ኣይምኸኣለን፣ እግዚኣብሔር ጸሎት ናይቶም ክድሕኑን ሕይወት ክረኽቡን ዝደልዩ ደቁ ክሰምዕ ቅሩብ ኮይኑ እዚ ግና ብንስሓ ተሰንዮምን በቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝኣምኑ ጥራሕ እዩ። ሓጢኣት ሕዝቡ እምብዛ ዘጨነቖ እግዚብሔር ኣምላኽና ስለምንታዩ ጸሎትና ዘይሰምዖ ዘሎ ባዕሉ ኣብ ቃሉ ከምዚ ይብለና ኣሎ ’’እንሆ ኢድ እግዚኣብሔር ንምድሓን ሓጻር ኣይኮነትን ከይሰምዕ ድማ እዝኑ ኣይጻንዖን’ዩ… ኣይፋልን ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዝፈላልየኩም ዘሎ ኣበሳኹም’ዩ…ከይሰምዓኩም ከኣ ኣብ ቅድሜኹም ኮይኑ ገጽ እግዚኣብሔር ዚሓብኣልኩም ዘሎ ሓጢኣትኩም እዩ… ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን ኣሎዋ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይዛረብ ኣሎ’’ (ኢሳ.59:1-3) ።
ስለዚ ትእዛዛት ኣምላኽ ምፍራስን ኣንጻሩ ምምልላስን ኣእዛኑ ዕጹዋት ንጸሎትና ምዃነንን ከምዘይሰምዕን ፈሊጥና ክንምለስን ይመኽረና። ልብና ንመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይተቐየደ ንኣምላኽ ከምቲ ዝድለ ክግዛእ ኣይክእልን እዩ። ኤርሚያስ ነቢይ ብዛዕባ’ዚ እንክናገር ‘’ ልቢ ወድ ሰብ ካብ ሕማሙ ኪሓዊ ዘይክእል ኣዝዩ ሕሱምን ተንኮለኛናዩ መንከ ኪረድኦ ይኽእል ኣነ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ ንነፍሲ ወከፍ ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኪህቦ ንልቢ ዝምርምር ንሓሳብ ወዲ ሰብ ከኣ ዝፈልጥ ኣምላኽ’የ’’ (ኤር.17:9-10) ይብል።
ጐይታና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ‘’ደው ኢልኩም ክትጽልዩ እንከሎኹም ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ክሓድገልኩም ንብጻይኩም ዝሓዝኩሙሉ በደል እንተሎ ኅደጉሉ’’ ይብሎም(ማር.11:25) ። ኢየሱስ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ዝያዳ ከረድእን ክትግበርን ዝደልዮ ዘሎ ነገር ፍቕርን ሓድነትን ምስ እግዚኣብሔርን ቤተክርስቲያንን እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ እውን ብወገኑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓሳባት ደጊሙ ብኸምዚ ዝስዕብ የስተምህር ’’ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ጌሩ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ’’(ኤፌ.4:32)፣፣ ብተወሳኺ (ኤፌ.4:1-6) (ቆሎሴ3:12-15) ኣንብብ።
እቲ ባህ ዘብልን ውጺኢታዊ ጸሎት ዝበሃል ብፍቕሪ ተደሪኽካ ክጽለ እንከሎ እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና እንተደኣ ገዚኡ ክንጽሊ የተባብዓናን ይድርኸናን እዩ። እዚ ጸጋ’ዚ ምእንቲ ካባና ከይምንጠል ግና ወትሩ ክንሕልዎን ክንነብሮን ይግብኣና። እምነት ንኣምላኽና ዘፍልጠናን ጎደናታቱ ዝሕብረናን ስለዝኾነ ኣብ ቃሉ ተመርኲስና ንሱ ብሓቂ ንዓና ሃብተ በረኸት ንዘልዓለም ዘሰናደወልና ምዃኑ ክነስተውዕል ይደሊ እዩ። ከመይ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ‘’ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ከኣ ወዲ ሰብ ኣይኮነን ንሱ ነቲ ዝበሎ ይገብሮ ነቲ ዘተስፈዎ ድማ ይፍጽሞ እዩ’’(ዘኁልቊ.23:19) ። §iS ኣብ ምባል ዘሎ በረኸት ኣምላኽ ብዙሕ ስለዝኾነ ነቲ ንደልዮን እንምነዮን ምእንቲ ክንረክብ ኣተሓሳስባና ክንልውጥን ኣእምሮና ክነሐድስን ይግባእ።
ውሽጣዊ ንስሓ
ኢየሱስ ዜቕርቦ ናይ ንስሓ መጸዋዕታ ልክዕ ከም ናይ’ቶም ዝቐደሙ ነቢያት፤ ናብ’ቲ ግዳማዊ ተግባር፣ ማለት “ወጮ ምኽዳንን፤ ሓመዅሽቲ ምንስናስን”፤ ጾምን ተጋድሎን ምፍጻም ብሕቱ ዘይኮነስ፣ ቅድሚ ኹሉ ናብ’ቲ ናይ ልቢ ንስሓ፤ ናብ ውሽጣዊ ንስሓን ምምላስን ዘተኰረ እዩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ዅሉ ግብረ-ንስሓን ፍረ-ኣልቦን ሓሳውን ኮይኑ ይተርፍ፥ ብዝኾነ ግን ካብ ውሽጢ ዝተበገሰ ቅኑዕ መንፈስ ንስሓ፣ መግለጺኡ ኪኸውን ንዚኽእል፣ ርኡይ ምልክታትን ሥርዓታትን፣ ናይ ግብረ-ንስሓ መደባትን የንቀሳቕስ እዩ። ውሽጣዊ ንስሓ ኪበሃል ከሎ፤ መሠረታዊ ንዝኾነ ናይ መላእ ሕይወት ለውጢ፤ ብምሉእ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ምምላስን ኣብኡ ምእማንን፤ ግብረ ኃጢኣት ዜብቀዓሉ፤ ነቲ ዝፈጸምካዮ ክፉእ ተግባራት ብምጽያፍ ካብ ክፍኣት ገጽካ ምግልባጥ የስምዕ። ምስኡ ድማ፤ ኣብ ምሕረት-ኣምላኽ ብምትስፋው፤ ብሓገዝ ጸጋኡ ሕይወትካ ንምልዋጥ (ንምሕዳስ) ድልየትን ቈራጽነትን ዚሓትት እዩ። እዚ ናይ ልቢ ንስሓ፣ በቲ ፈዋሲ ዝኾነ ሥቓይን ሓዘንን ዝተሰነየ እዩ። ነዚ ከኣ ኣበው፤ ናይ መንፈስ ሥቓይን፤ ናይ ልቢ ጸጸትን ኪብሉ ይሰምዩዎ። ልቢ ወድሰብ ጽኑዕን ዝተረረን እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንሰብ ሓዲሽ ልቢ ኪህቦ ኣለዎ። እቲ ናይ ነፍሳትናን ግዙፍ ኣካላትናን ፈዋሲ (ሓኪም) ዝኾነ፤ ነቲ ልሙስ (መፃጕዕ) ኃጢኣቱ ዝሓደገሉን፣ ሥጋዊ ጥዕና ዝመለሰሉን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ናይ ምፍዋስን (ምሕዋይን) ምድኃንን ተግባሩ፤ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፋ፤ ቤተክርስትያን ኣብ ኣባላታ’ውን ከይተረፈ ክትቅጽሎ፣ ድላዩ እዩ። “ናይ ምፍዋስ (ምሕዋይ) ምሥጢራት” ዝተሰምያ ናይ’ተን ክልተ ምሥጢረ ንስሓን፤ ምሥጢረ ቅብኣተ-ሕሙማንን (ቀንዲል) ዕላማ እዩ። እቶም ናብ ምሥጢረ ንስሓ ዚቐርቡ፤ ምእንት’ቲ ተጻዩ ዝፈጸምዎ በደል-ኃጢኣት ካብ ምሕረት-ኣምላኽ ይቕረታ ይረኽቡ። ከምኡ’ውን ምስ’ታ ብኃጢኣቶም ዘቝሰልዋ፤ ብግብረ-ፍቕርን ርኅራኄን፤ ብኣብነትን ጸሎትን ንንስሓኦምን ንምምላሶምን ምስ እትሰርሕ ቤተክርስትያን ይዕረቑ።
እዚ ዘመን’ዚ ገጽና ናብ ኣምላኽ መሊስና ንዓዑ ንብሕቱ እነምልኸሉን እንግዝኣሉን እዩ፣ ኃጢኣት ኣብ ሕዝብ ኣምላኽን ቤተክርስቲያንን እናኣተወ ሥጋውነት ኣብ ላዕሊ ሕዝቢ ኣምላኽ እነገዝአ ይኸይድ ብምህላዉ ኣምላኽ እቲ ፈጣሪና ረሲዕና ኣሎና; ሆሴእ ነቢይ ንሕዝቡ ‘’ንሱ ክሳዕ ዝመጽእ ጽድቂ ክሳዕ ዘዝንበልኩምሲ ንእግዚኣብሔር እትደልዩሉ ጊዜ ሕጂ እዩ’’(ሆሴእ10:12) ብምባል ምሕረት እግዚኣብሔር ክረኽቡ ወትሩ ከይሰልከዩ ገጽ ፈጣሪኦም ከናድዩን ብንስሓን ጣዕሳን ክመላለሱ ይምዕዶም ነበረ; ንሕና’ውን ብክርስቶስ ከምዝደሓና መጠን መገዲ ጽድቅን ቅድስናን ሓቀኛ ውሳጣዊ ሰላም ምእንቲ ከነስተማቕር ናብ ኣምላኽ እንምለሰሉ እዋን ሕጂ ኪኽውን ኣሎዎ; ነፍስኻን ሥጋኻን ሼጥካ ካብ ኣምላኽ ርሒቕካ ምንባር መወዳእታኡ ጥፋኣትን ኩነኔን የምጽእ; ኩነታት መዓልታዊ ኣነባብራና ምእንቲ ክዕረ ብቕዱሳት ምሥጢራትን ብዘልዓለማዊ ቃል ኣምላኽ ክንስሰ ናብቲ ሓቀኛ ምጽንናዕ ዝርከቦ ዙፋን ኣምላኽ ክንቀርብ ጎይታ ባዕሉ ይዕድመና ኣሎ; ሓዋርያ ጳውሎስ ንኹልና ኣመንቲ ከምዚ ይብለና ‘’ብምችእቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ እታ ምችእቲ ሰዓት ሕጂ’ያ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ’’(2ቆሮ.6:2);
ብንስሓ ክንምለስ ኢየሱስ እዩ ዝዓደመና። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ፣ “ግዜኡ ኣኺሉ (በጺሑ) እዩ፥ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ከኣ ቀሪባ እያ’ሞ፤ ተነሥሑ! (ተመለሱ) ብወንጌል’ውን እመኑ” ፥ ዚብል ናይ’ቲ ብሥራት መንግሥቲ-እግዚኣብሔር ቀንዲ ክፍሊ እዩ። ኣብ ናይ ቤተክርስትያን መደብ ስብከት እንተደኣኮይኑ፤ እዚ መጸዋዕታ’ዚ ቅድም ነቶም ንኽርስቶስን ወንጌሉን ዛጊት ዘይፈልጡ ዚቐርብ ዕድመ እዩ። ምስኡ’ውን ጥምቀት እቲ ቀዳማይን መሠረታውን ንስሓ (ምምላስ) ዚፍጸመሉ ቀንዲ ቦታኡ እዩ። ሓደ ሰብ ንኽፉእ ረጥሪጡ፣ ድኅነት ኪጭብጥ ዚኽእል፥ ማለት ናይ ኵሉ ኃጢኣት ኅድገትን፤ ናይ’ታ ሓዳስ ሕይወት ውህበትን ዚረክብ፣ ኣብ ወንጌል ብምእማንን ብጥምቀትን እዩ። ንንስሓ ዚዕድም ናይ ክርስቶስ መጸዋዕታ ኣብ ሕይወት ክርስትያን ከቃልሕ ዚነብር እዩ። ነታ “ኣብ ሑቕፎኣ ኃጢኣተይናታት ከይተረፉ ዝሓዘት፤ ቅድስቲ ክንሳ፤ ወትሩ ኣብ መስርሕ-ምንጻሕ እትርከብን፤ ቀጺላ ከኣ መንገዲ ንስሓን ተሓድሶን” ዝተኸተለት ቤተክርስትያን፤ እዚ ዳግማይ ንስሓ ዘየቋርጽ ተግባራ እዩ። እዚ ናይ ንስሓ ጻዕርን ትግሃትን ሰብኣዊ ስራሕ’ዩ ጥራሕ ኪበሃል ኣይከኣልን።እቲ “ብጸጸት ዝተመልአ ልቢ”ብጸጋ-ኣምላኽ ተሳሒቡን ተንቀሳቒሱን፤ ነቲ ኣቐዲሙ ዘፍቀረና ምሕረት ዝዓዘዞ ፍቕሪ-ኣምላኽ ዚህቦ ምላሽ እዩ። ንመምህሩ፣ ሠለስተ ግዜ ምስ ነጸገ፤ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፈጸሞ ንስሓን ምምላስን ናይ’ዚ ምስክር እዩ።
መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ዝመልኦ ጠመተ ኢየሱስ፤ ካብ ጴጥሮስ ናይ ንስሓ ንብዓት ከምዚፍልፍልን፤ ድሕሪ ትንሣኤ-ጐይታ ድማ፣ ንጐይታኡ ዘለዎ ፍቕሪ ሠለስተ ግዜ ዘረጋግጸሉ ኵነታት ከም ዘማዕብልን ገበረ። እዚ ዳግማይ ንስሓ (ምምላስ) ማኅበራዊ ጠባይ ከምዘለዎ በቲ “ተነሳሕ” ዚብል ጐይታ ንመላእ ቤተክርስትያን ዜቕርቦ መጸዋዕታ ዚፍለጥ እዩ፣- ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ በዘን ክልተ ናይ ንስሓ መደባት እንኪዛረብ፤ ኣብ ቤተክርስትያን “ማይን ንብዓትን ኣሎ፥ ማለት ናይ ጥምቀት ማይን፤ ናይ ንስሓ ንብዓትን” ይብል። ሓዋርያ ጳውሎስ እውን ብወገኑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓሳባት ደጊሙ ብኸምዚ ዝስዕብ የስተምህር “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ጌሩ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ’’(ኤፌ.4:32)፣፣ ብተወሳኺ (ኤፌ.4:1-6) (ቆሎሴ3:12-15) ኣንብብ፣ እቲ ባህ ዘብልን ውጺኢታዊ ጸሎት ዝበሃል ብፍቕሪ ተደሪኽካ ክጽለ እንከሎ እዩ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና እንተደኣ ገዚኡ ክንጽሊ የተባብዓናን ይድርኸናን እዩ፣ እዚ ጸጋ’ዚ ምእንቲ ካባና ከይምንጠል ግና ወትሩ ክንሕልዎን ክንነብሮን ይግብኣና፣ እምነት ንኣምላኽና ዘፍልጠናን ጎደናታቱ ዝሕብረናን ስለዝኾነ ኣብ ቃሉ ተመርኲስና ንሱ ብሓቂ ንዓና ሃብተ በረኸት ንዘልዓለም ዘሰናደወልና ምዃኑ ክነስተውዕል ይደሊ እዩ፣፣ ቅዱስ ጳውሎስ ‘’ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ እቲ ናይ ሓጢኣት ሥጋ ምእንቲ ክጠፍእ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስ ክርስቶስ ተሰቒሉ እዩ’’ (ሮሜ.6:7); እዚ ርድኢት እዚ ንሕና ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ ማሕደር ቅድስቲ ሥላሴ ከም ዝኾና ስለዘነጽር ልብና ኣንጺሕና ክንቀርብን ነቲ ናይ ለውጢ ምንጪ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዘመና ክንስዕቦ ከምዘሎናን እዩ; እንተኾነ እቲ ሓቂ ግና ብዘይ ክርስቶስ ሕይወት ከምዘይብልና እዩ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተኛታት ዕዙዝ ብምዃኑ ጌና ከድሕነናን ከፍቅረናን ኪነብር እዩ; ተበጃዊ ዝኾነ ኢየሱስና መስቀልና ተሸጊርና ከቢዱና ክንስከሞ ኣይሓድገናን እዩ; ዕረፍትን ህድኣትን ኪህበና ምስ ኣተስፈወና እዩ፣፣ ንስሓ (ምምላስ) ቅድሚ ኵሉ፤ ንልባትና ናብኡ ከምዚምለስ ዚገብር፤ ናይ ጸጋ-ኣምላኽ ስራሕ እዩ፣ “ኦ! ጐይታ ናባኻ ምለሰና፤ ንሕና’ውን ክንምለስ ኢና”! (ቅዱስ ቀለሜምጦስ)፣ ከም ሓዲሽ ንምጅማር ኣምላኽ ኃይሊ ይህበና እዩ፣ ልብና ብናይ ኃጢኣት ክብደትን፤ ዘንቀጥቅጥ ሃለዋትን ተናዊጹ፤ንኣምላኽ ብኃጢኣት እንካብ ምሕዛኑን፤ ካብኡ እንካብ ምፍላይን ኪጥንቀቕ ዚጅምር፤ ናይ ፍቕሪ-ኣምላኽ ዕቤት ከስተማቕር ምስተረኽበ እዩ፣ እዚ ሰብኣዊ ልብና ድማ ነቲ ኃጢኣትና ዝወግኦ ብምጥማት’ዩ ኪንሳሕ ዚርከብ፣ ንድኅነትና ዝተኻዕወ ኮይኑ፤ ናብ መላእ ዓለም ጸጋ-ንስሓ ዜምጽእ ስለዝኾነ፤ ኣብ ዓይኒ (እግዚኣብሔር) ኣቦኡ ከመይ ዝበለ ክቡር ነገር ምዃኑ ንምርዳእ፤ ኣዕይንትና ተኺልና ነቲ ደም-ክርስቶስ ክንጥምቶ ይግበኣና፣፣
“ናይ ሓደ ክርስትያን ውሽጣዊ ንስሓኡ፣ ብብዙሕን በብዓይነቱን መንገድታት ኪግለጽ ይከኣል። ቅዱስ መጽሓፍን ኣበውን፤ ልዕሊ ዅሉ ነተን ብመንፅር ርእስናን፤ ብመንፅር ኣምላኽን፣ ካልኦትን ንመደብ ንስሓን ምምላስን ዚገልጻ ሠለስተ መልክዕ ማለት፣ ጾም-ጸሎት-ምጽዋት የተኵሩለን። ሡር-መሠረትካ ምስ ዜንጽሕ ጥምቀት ወይ ሰማዕትነት ዚቝጸር መጋበሪ ኅድገት-ኃጢኣት ኢሎም ዚሰምዩዎ ኣለዉ፥ እዚ ኸኣ፣ እቲ ምስ ብጻይካ (ጐረቤትካ) ዕርቂ ንምትካል እትገብሮ ጻዕሪ፤ እቲ ናይ ንስሓ ንብዓት፤ ንድኅነት-ብጻይካ እትገብሮ ተገዳስነትን ኃልዮትን፤ ናይ ቅዱሳን ኣማልድነትን፤ ከምኡ’ውን ነታ “ብዙኅ ኃጢኣት እትኸድን” ፍቕሪ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ይርከቦ። ምእንት’ዚ መደብ ንስሓ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኪፍጸም ዚርከብ በዚ ዚስዕብ እዩ፤- ንዕርቂ ዚዕድም ተግባራት፤ ንድኻታት ዚግበር ተገዳስነትን ኃልዮትን፤ ንገዛእ ኣኅዋትካ ጕድለትካ ብምእማን፤ ንመደብ ርትዕን ፍትሕን እንከተሰጕምን እንክትከላኸለሉን ፤ኅውነታዊ ምትእርራም፤ መርመራ-ሕይወትካ፤ መርመራ-ኅሊና፤ መንፈሳዊ መሪሕነት፤ ንሥቓይ ምቕባል፤ ምእንቲ ርትዕን ፍትሕን ኣብ እትጻወሮ ስደት ጽንዓት። መዓልቲ-መጽአ መስቀልካ ጸዊርካ ንኢየሱስ ምኽታል እቲ ዝበለጸን ዝተረጋገጸን መንገዲ ንስሓ እዩ።ናይ ኩሎም እቶም ንክርስቶስ ክስዕቡ ዝወሰኑ ኣመንቲ ናይ ወትሩ ጭርሖ ‘’ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ንሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎሞ’’ (ገላ.5:24) ዝብል እዩ’ሞ ናይ ክርስቶስ ክንከውን ንጽዓር፣ ኣምላኽ ነቶም ዝተበጀዎም ሰባት ኣዕይቶም፥ኣእዛኖም፥ ልሳኖም፥ኣካላቶም ኩሉ፥ ብናይ ዓለም ሥጋ ሠይጣን ዝመጸ ዕጹው ጌሩዎ እዩ; ሰላም ቅሳነትን ዘሎዎ እግዚኣብሔር ዝፈትዎ ናብራ ክንነብር ካብ ዝጽግመና ነገር እንተረኣና የርክበሉ ጊዜ ኣሎኒ ዝብል ጊጉይ መንፈስ እዩ; ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘’ንእግዚኣብሔር ብመዓልቲ ጸበባይ ጸዋዕክዎ ንሱ ድማ መለሰለይ’’ (መዝ.77:2) ብምባል ሕይወቱ ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ ምስተጸገዐት ሰላም ከም ዝረኸበት ይናገር; ንስሓ ነቲ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ሕይወትና ሓቀኛ መልክዕ ክንለብስ የኽእለና; ንስሓ ሕይወትናን ስምዒትናን ምስ ኣምላኽን ዓለምን ሰባትን ብምስራዕ ስለዝርከብ ምስ ተነሳሕና ምስ ፈጣሪ ሓድሽ ርክብ ንጅምር; እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ፈጣሪ፦ ጓሳ፦ መሓሪ፦ ርሕሩሕ፦ ኣፍቃሪ፦ ደምሳሲ በደል፦ መፍቀሪ ንስሓ እዩ; ኣምላኽና ባዕሉ ክምሕረናን ከጥዕየናን ክባርኸናን ጸጋታቱ ብልግሲ ክህበናን ስንድው እዩ። ተስፋ ድሕነት ረኺብና ስለዘሎና ምስ ቅዱስ ዳዊት ኮይንና ‘’ሽዑ ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ በደለይውን ኣይሰወርኩልካን ኣበሳይ ክናዘዘልካ መደብኩ ንስኻ’ውን እከይ ኃጢኣተይ ይቕረ በልካለይ’’ (መዝ.32:5)(1ዮሃ.1:9) እናበልና ነቲ ክብሪ ክህበና ድኻምነትና ዝተሰከመ ኢየሱስ መድሓኒና ንከተሎ፣፣
By Abba Yonas Yohannes
0 Comments