‘’ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር ብገለ
እኳ ኣይትጨነቑ እቲ ንኹሉ ምርዳእና ጸብለል ዚብል ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን
ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ጌሩ ኺሕልዎ እዩ’’ (ፊሊጲ.4: 6-7);
መእተዊ
ኣብ ሕይወት ክርስትና ብዙሕ ጊዜ ክርስቲያን ኣመንቲ ጸሎቶም ቅልጡፍን ውጺኢታውን ኮይኑ ኣብ ኣምላኽ ክስማዕ ይደልዩ; ቅዱስ መጽሓፍና እውን እግዚብሔር ጸሎት ሰሚዑ ዝምልስ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጽ; እኳ ድኣ ኣብ ገለ እዋን ካብቲ ንሕና ዝተጸበናዮ መገዲ ወጻኢ ንጸሎትና ይሰምዕን ይምልስን; ንኣብነት ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘’ጻድቃን ናብ እግዚኣብሔር የእውዩ ንሱ ድማ ይሰሞዖም ካብ ኩሉ መከራኦም ድማ የናግፎም(መዝ.34:17) እንክብል ነቢይ ኢሳይያስ እውን ብወገኑ ‘’ኣቱም ኣብ ጽዮን ኣብ ኢዮርሳሌም እትነብሩ ሕዝቢ ድሕሪ ደጊም ኣይክትበኽዩን ኢኹም እግዚኣብሔር ርኅሩሕ ስለዝኾነ ኪረድኣኩም ደሊኹም ናብኡ ከተእውዩ ከሎኹም ኪሰምዓኩም እዩ’’ ብምባል ይገልጽ (ኢሳ.30:19) ; እዚ እቲ መሠረታዊ ሓቂ ኮይኑ ኣብ ገለ እዋን ግን ኣብ ሕይወትና ዘይተመለሰ ጸሎት ከምዘሎና’ሞ ብመልክዕ መርመራ ሕልና ምስ ረኣናዮ፤ ነዚ ሓሳብ’ዚ ቃል እግዚኣብሔር ከም ዕንቅፋት ናይ ጸሎት ኣብ ሕይወትና ዝጠቕሶም ነገራት የቕርበልና;
1. ቀዳማይ ዕንቅፋት ንጸሎትና ከይስማዕ ዝገብር ሓጢኣት እዩ
ቅዱስ ዳዊት ’’ኃጢኣተይ ከይተነሳሕኩ ኣብ ልበይ እንተዝሕዞ እግዚኣብሔር ኣይምሰምዓንን ነይሩ’’ (መዝ.66:18) ይብል; ቅዱስ መጽሓፍ ንዳዊት ሓጢኣት ከምዝገበረን ንፁሕ ከምዝይኮነ ይጠቕሶ; እንተኾነ ዳዊት ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ተነሲሑ እንደገና ንሕይወቱ ብመገዲ እግዚኣብሔር ከምዝመርሓን ኣብ ቅኑዕ መገዲ ከምዝተመልሰን ፈጣሪ ድማ ንኹሉ ልመናኡን ንስሕኡን ከምዝተቐበሎ ዝዝከር’ዩ፣ ኣምላኽ ንሓጢኣተኛ ዘይምሕር እንተዝኸውን ሓጢኣተኛ ሰብ ናብኡ ክመጽእ ኣይምኸኣለን; እግዚኣብሔር ጸሎት ናይቶም ክድሕኑን ሕይወት ክረኽቡን ዝደልዩ ደቁ ክሰምዕ ቅሩብ ኮይኑ እዚ ግና ብንስሓ ተሰንዮምን በቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝኣምኑ ጥራሕ እዩ;
ቅዱስ ጳውሎስ ንሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ከምዘነጸሮ ’’ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሔር ዝጽውዕ ዘበለ ክድሕን እዩ ንሱ ሓደ ጎይታ እዩ ነቶም ዚጽውዕዎ ኩሎም ኣበርኪቱ ዝህብዩ’ሞ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ሌላን ጉሌላን የልቦን’’ እናበለ መደብ (ሮሜ.10:12-13) ኣምላኽ ይምህር; ዕቤት ክብሪ ምስ ኣምላኽ ምሕባርን ክንርዳእ እንተደሊናን ኣምላኽና’ውን ጸሎት ሕያዋን ደቁ ከምዝሰምዕን ምላሽ ከምዝህቦምን ክነስተውዕል ነዚ ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ እግዚኣብሔር ዝተቓወሞ ጸሎትን ልመናን ንስማዕ ‘’ ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰገድኩም ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ…ብጊዜ ጸበባኹም ኬድሕንኹም ናብቶም ኣማልኽትኹም ኬድኩም ተማህለሉ’’ (መሳ.10:13-14); እዚ ዘረድኣና ሕይወትናን ልብናን ኣተሓሳስባናን ብዙሕ ኣማልኽቲ ዝተሰከመን ዘይጸረየ ቤት ከምዘሎዎ እዩ;
ኣምላኽ ንዕቡያትን ነቶም ዘይግዝእዎን ብፍላይ ድማ ኣብ ጣዕሚ ናብራን ሥጋዊ ኣተሓሳስባን ዘንቢሎም ጉዳይ ነፍሶም ረሲዖም ዘሎው ናብኡ ክምለሱን ዘይደልዩ ፈጺሙ ክሰምዖም ኣይደልንዩ; ጸሎትና ክስማዕ ብትሕትናን ልዑል መንፈሳውነት ተደሪኽና ክንገብሮ የድሊ; ያዕቆብ ሓዋርያ ብዛዕባ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተቐስናዮም ሰባት ከምዚ ይብል ‘’ ንፍትወት ሥጋኹም ክተርውዩ (ክትኽተሉ) ኢልኩም ብኽፉእ ሓሳባት ስለእትልምኑ ኣይትቕበሉን’’ (ያዕ.4:3); ቅዱስ መጽሓፍ ብግሉጽ መገዲ ዝገልጸልና ዘሎ ሓሳባት ኣንጻሩ እንገብሮ ድሌትን ሓጢኣትን ዘይምእዛዝን ዘይምንሳሕን ፈጺሙ ከምዘይሰምዓና እዩ; ሓጢኣት ሕዝቡ እምብዛ ዘጨነቖ እግዚብሔር ኣምላኽና ስለምንታዩ ጸሎትና ዘይሰምዖ ዘሎ ባዕሉ ኣብ ቃሉ ከምዚ ይብለና ኣሎ ’’እንሆ ኢድ እግዚኣብሔር ንምድሓን ሓጻር ኣይኮነትን ከይሰምዕ ድማ እዝኑ ኣይጻንዖን’ዩ… ኣይፋልን ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዝፈላልየኩም ዘሎ ኣበሳኹም’ዩ…ከይሰምዓኩም ከኣ ኣብ ቅድሜኹም ኮይኑ ገጽ እግዚኣብሔር ዚሓብኣልኩም ዘሎ ሓጢኣትኩም እዩ… ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን ኣሎዋ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይዛረብ ኣሎ’’ (ኢሳ.59:1-3); ስለዚ ትእዛዛት ኣምላኽ ምፍራስን ኣንጻሩ ምምልላስን ኣእዛኑ ዕጹዋት ንጸሎትና ምዃነንን ከምዘይሰምዕን ፈሊጥና ክንምለስን ኣካያይዳና ክነነጽርን ይመኽረና;
ብመሠረት መደብ ኣምላኽ ዕርቅን ፈውስን ክንረክብ ክንድዝኾነ ተነሲሕካ ንዓኡ ማለት ንፈጣሪ ዝቐርብ ጸሎት ኣገዳስነት ከም ዘሎዎ ንረዳእ; እዚ ማለት ክሳዕ ዕለተ ሞትና ሓጢኣት ከይገበርና ንንበር ማለት ኣይኮነን ቅዱስ ዳዊት’’ ንዓኡ ዚደሊ ለባም ሰብ እንተሎ ኢሉ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቆልቊሉ ጠመተ ኩሎም ተጋግዮም ብዘለዉ ኩላቶም ረኺሶም እዮም ገለ ሰናይ ዚገብር ሰብ ሓደ እኳ የልቦን’’ (መዝ.53:2-3) እናበለ ብፍጽምና ክንነብር ከምዘይንኽል ይዛረብ; እንተኾነ ኣምላኽ መሓርን ፈቃርን ደምሳሲ በደል ስለዝኾነ ኩሉ ክድሕንን ክነጽሕን ይደሊ ንዓኡ ክብል ድማ ነቲ ሓደ ወዱ ኣብ መስቀል ክስዎኦ መሪጹ እዩ; ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓሳብ ከምዝገብሮ በዚ ዝስዕብ ይገልጾ ‘’ ኣዕይንቲ እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃኑ እየን ዚርእያ ኣእዛኑ ድማ ናብ ጸሎቶም’የን እግዚብሔር ንገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ’’ (1ጴጥ.3:12); ከም ክርስቲያን መጠን ብዙሕ ግዜ ንወድቕ ኢና ሓጢኣት ይጥዕመና ኣየሰክፈናን ኣንጻር ኣምላኽ ንለዓልን መንፈሳዊ ሕይወት ምንባር ይጽልኣና; እንተኾነ ንዘፍቅር ኩሉ ስለዝከኣሎ ባህ ኢሉና ምጽንናዕ እንረኽበሉ ኣብ ቅድሚ ዝፈጠረና ጸሎትና ዝስማዕ ፍቕሪ ኣምላኽ ልብና ምስ ዝመልእ እዩ; ኣምላኽና ጉድልነትና ይፈልጥ ዓቕምና ዝርዳእ ብምዃኑ ከይተሰከፍና ኣብ ቤቱ ክንቀርብን ኣብታ ጽንዕቲ ኢዱ ክንሕቆፍን; መድሓኒና ንሓጢኣተኛታትን ፈውሲ ናይ ሕይወቶም ንዘናድዩ ኣመንቲ’ዩ ዝያዳ ከናዲ ዝነብርን ወትሩ ድማ ክጽውዖምን ዝርከብ;
እምበኣርከስ ሓደ ዓቢ ኣማላድን ጠበቓን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ከምዘሎና ንፈልጥ እንተደኣ ኮይንና ጣዕሳ ተሰሚዑና ናብኡ ቀሪብና ድኻምነትናን ሓጢኣትናን ገሊጽና ክንመሓር ናብ ዝፋኑ ንቕረብ; ብትሕትናን ምቑልልነትን እንተቐረብና ሽዑ እወ እቲ መንደቕ ጽልኢ ፈሪሱ ዘልዓለማዊ ዕርቂ ክመጻና እዩ; እዚ ዝዓይነቱ ርእሰ ተኣማንነት ክህልወና ዝኽእል ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ምስ እንህሉን ጸሎት ምስ እንነዘውትርን እዩ; ኤርሚያስ ነቢይ ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞኡን ኣብ ሕይወት ሕዝቢ እስራኤል ዘጋጠመ ጸገም ምስ ተዓዘበ ነዚ ክብል ተገደደ ‘’ መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ’’ (ደጉዓ ኤር.3:40-48) ;
ቁልጡፍ ምምላስን ለውጥን ክንገብር እዚ ዘመን’ዚ ይዕድመና ክንድዝኾነ ልብና ናብ ኣምላኽ ነልዕል ኣሎና; ኣምላኽና ባዕሉ ክምሕረናን ከጥዕየናን ክባርኸናን ጸጋታቱ ብልግሲ ክህበናን ስንድው; ተስፋ ድሕነት ረኺብና ስለዘሎና ምስ ቅዱስ ዳዊት ኮይንና ‘’ሽዑ ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ በደለይውን ኣይሰወርኩልካን ኣበሳይ ክናዘዘልካ መደብኩ ንስኻ’ውን እከይ ኃጢኣተይ ይቕረ በልካለይ’’ (መዝ.32:5)(1ዩሃ.1:9) እናበልና ነቲ ክብሪ ክህበና ድኻምነትና ዝተሰከመ ኢየሱስ መድሓኒና ንከተሎ;
2 ካልኣይ ዕንቅፋት ንጸሎትና ንዝበደለካ ዘይምምሓር እዩ
ጐይታና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ‘’ደው ኢልኩም ክትጽልዩ እንከሎኹም ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ክሓድገልኩም ንብጻይኩም ዝሓዝኩሙሉ በደል እንተሎ ኅደጉሉ’’ ይብሎም(ማር.11:25); ኢየሱስ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ዝያዳ ከረድእን ክትግበርን ዝደልዮ ዘሎ ነገር ፍቕርን ሓድነትን ምስ እግዚኣብሔርን ቤተክርስቲያንን እዩ; ሓዋርያ ጳውሎስ እውን ብወገኑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓሳባት ደጊሙ ብኸምዚ ዝስዕብ የስተምህር ’’ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ጌሩ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ’’(ኤፌ.4:32)፣ ብተወሳኺ (ኤፌ.4:1-6) (ቆሎሴ3:12-15) ኣንብብ።
እቲ ባህ ዘብልን ውጺኢታዊ ጸሎት ዝበሃል ብፍቕሪ ተደሪኽካ ክጽለ እንከሎ እዩ; ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና እንተደኣ ገዚኡ ክንጽሊ የተባብዓናን ይድርኸናን እዩ; እዚ ጸጋ’ዚ ምእንቲ ካባና ከይምንጠል ግና ወትሩ ክንሕልዎን ክንነብሮን የድሊ; እምነት ንኣምላኽና ዘፍልጠናን ጎደናታቱ ዝሕብረናን ስለዝኾነ ኣብ ቃሉ ተመርኲስና ንሱ ብሓቂ ንዓና ሃብተ በረኸት ንዘልዓለም ዘሰናደወልና ምዃኑ ክነስተውዕል ይደሊ እዩ; ከመይ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ‘’ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ከኣ ወዲ ሰብ ኣይኮነን ንሱ ነቲ ዝበሎ ይገብሮ ነቲ ዘተስፈዎ ድማ ይፍጽሞ እዩ’’(ዘኁልቊ.23:19);
ይቕረ ኣብ ምባል ዘሎ በረኸት ኣምላኽ ብዙሕ ስለዝኾነ ነቲ ንደልዮን እንምነዮን ምእንቲ ክንረክብ ኣተሓሳስባና ክንልውጥን ኣእምሮና ክነሐድስን ይግባእ; ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሕይወት እዚ ሓሳብ ክርስቶስ ዝመልኦ ኣእምሮ ቢሉ ይገልጾ፣ ናብ ሰብ ፊሊጲስዩስ እተጻሕፈት መልእኽቲ እንተረኣና’’ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ…ንሱ ብባህሪኡ ኣምላክ እኳ እንተኾነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን እንተኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳዕ ሞት አረ ክሳዕ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ’’ ይብለና (ፊሊጲ2:5-8) ።
ቅዱስ መጽሓፍና እቲ ናይ ክርስቶስ ኣተሓሳስባ ኣብ ሕይወትና ቦታ ረኺቡ ክዓዩ ከምዘሎዎ ይነግረና; ንሕና ብቀጻሊ ናብ ምስሉ ዝተለወጥና ክንከውን ድማ ይእዝዝና; እዚ ነቲ ሥጋዊ ኣተሓሳስባናን ርድኢትናን ክንቅይርን ክነሐድሶን የኽእለና(2ቆሮ.3:18); ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ክልወጡ ብዙሕ ጻዕሪ ስለዘካየደ ኣትሪሩ ድልየቱ እንክገልጸሎም ከምዚ ይብሎም።-‘’ኣቱም ደቀይ! ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሠኣል ከም ብሓዲሽ ከም ሕማም ሕርሲ እጽዕረልኩም ኣሎኹ’’ (ገላ.4:19) ዝተለወጠ ሕይወት ክንነብር እንተደሊና።-
1. ንክርስቶስ ምስ ተቐቢልካ ኣብ ውሽጥኻ ክኣቱ ኣፍቂድካ ድሌትካ ብምሃብ ኣባኻ ክዓይን ክነብርን መዓልታዊ ምእንቲ ሓቢርካ ምስኡ ምጉዓዝ
2. ቃሉ መምሪሕና ክኸውን ስለዝሃበና ነቲ ሕያው ቃሉ ምእዛዝን ንሓጢኣት ሞይትካ ንጽድቂ ክትነብር ብምጅማር ኣሰር ኣሰሩ ብታሕጓስ ምስዓብ
3. መንፈስ ቅዱስ ምሳና ኮይኑ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንጽሊ ስለዝሃበና ኣብ ውሽጥና ክዓዪ ክንተሓባበርን ከሐይለና ክነፍቅደሉን
4. ህያባትና ኣለሊና ንጸዋዕታና ክንነብረሉን መላእ ዘመና ክንምስክረሉን ኣብ ጸሎት ተጸሚድና ክንርእዮን ክነስተማቕሮን መንፈሳዊ ሕይወት ዝመልኦ ክርስትና ክንመርሕ ተፈትዩና ክንትግብሮ ምፍታን;
3. ሣልሣይ ዕንቅፋት ንጸሎትና ምጥርጣርን ኣብ ሥጋዊ ሓሳብ ምንባርን እዩ
ብምልኣት ቅዱስ መጽሓፍና እንተተመልከትና ምጥርጣር ኩሉ ጊዜ ኣንጻር እምነት ኮይኑ ኢና እንረክቦ; ኣብ ጸሎት እግዚኣብሔር ሰሚዑ ክምልሰለይ ድዩ ዝብል ጥርጣረ ምሕዳር እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ንጸሎትና ይኸውን; መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንከስተምህሮም ‘’ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም”’ (ማቴ.9:29) ብምባሉ እምነት መሠረታዊ ኣምር ምዃኑ መሃሮም; ቅዱስ መጽሓፍ ኩሉ ብእግዚኣብሔር ዝኣምንን ንእምነት ናብኡ ዝጽልን ጥራሕ ጸሎቱ ከምዝስማዕ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጽ ‘’ ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ከስምርዎ(ባህ ከብልዎ) ኣይከኣልን እዩ እቲ ናብ ኣምላኽ ዝመጽእ ኩሉ ኣምላኽ ከም ዘሎ ነቶም ዘናድይዎ ድማ ዓስቢ ከምዝህቦም ኪኣምን ይግብኦ’’ (ዕብ.11:6); ምጥርጣር ኣብ ሕይወት ከቢድ ሳዕቤን ዘምጽን ዘይርጉእ ኣነባብራን ዝፈጥርን’ዩ; መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ያዕቆብ ሓዋርያ ጌሩ ‘’ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ ዝጎደሎ እንተሎ ነቲ ንስኻ ከምዚ እንዲኻ ከይበለ ንኹሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ ንሱ’ውን ኪህቦ እዩ… እቲ ዚልምን ግና ከይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን ከመይ እቲ ዝጠራጠር ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ ማዕበል ባሕሪ ዚመስል እዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ሰብ ካብ ጎይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ ንሱ ኣብ ኩሉ ዕዮኡ ጽንዓት ዘይብሉ ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ እዩ’’(ያዕ.1:5-8);
ቀዳምነት ኣብ ሕይወት እምበኣር እምነት ከነጥርን ምጥርጣት ኣብ ሕይወትና ከነወግድን የድሊ; ኣብ ምጥርጣር ኣምላኽ የሎን; ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ናይ ግዲ’ዩ ክንብል ንኽእል; ኣብዚ ሓቂ እዚ ክንህሉ ዘገድደና እንተሎ እምበኣር ኣምላኽ ምልኣት ዘሎዎ ኩሉ ዝኽእል ብምዱብ ጊዜ ዝምልስ ጸሎት እቶም እምነት ተዓጢቖም ዝልምንዎ ዝሰምዕ ስለዝኾነ እዩ; እግዚኣብሔር ካብ ምጥርጣት ተነሲሕና ንእምነት ክንጽሊ ስለዝደሊ ኣተሓሳስባና ክንልውጥ ኣገዳሲ’ዩ; እቲ ካልእ ጸገም ጸሎትና ከምቲ ዝድለ ንኸይስማዕ ዝገብር ዘሎ ብሥጋ ምንባር’ዩ; ቅዱስ ዳዊት “ዓሻስ ብልቡ ኣምላኽ የሎን ይብል”(መዝ.14:1) ይብል;
ሥጋና ኣብ መስቀል ከምዝተሰቕለ ፈሊጥና ብመንፈስ ኣምልኽ ተመሪሕና ክንነብር‘ዩ ዝድለ ዘሎ። ክርስትና ነቲ ሓዲስ ሰብነት ክርስቶስ ምልባስ ስለዝኾነ ኣዳማዊ ኣነባብራና ኩሉ ኣብ መስቀል ከምዝተሰቕለ ክንፈልጥ የድሊ;
ልብና ኣብ መወዳእታ ምስ ኣምላኽ እንድሕሪ ተሳንዩ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ ኣብ ሕይወትና ቅኑዕን ስሉጥን ባህ ዘብልን መልሲ ጸሎት ክንረክብ ንኽእል ኢና;’’ብእግዚኣብሄር እመን ሠናይ ግበር ኣብታ ሃገር ሃዲእካ ብሰላም ንበር…ብእግዚኣብሔር ተሓጎስ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኪህበካ’ዩ ኣብ እግዚኣብሔር ተማዕቆብ ንእኡ እመን ንሱ’ውን ኬስልጠልካ እዩ’’ (መዝ.37:3-5) ;
ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ንጹር ኣተሓሳስባ ኣሎዎ ‘’ ሥጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ሥጋ እዮም ዝሓስቡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ ሓሳብ እዮም ዝሓስቡ ናይ ሥጋ ነገር ምሕሳብ ሞት የምጽእ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላም ይምጽእ ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላክ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን’ዩ እቶም ብሥጋ ዚምርሑ ንኣምላኽ ከሓጉስዎ ኣይከኣሎምን’ዩ ንስኻትኩም ግና መንፈስ ኣምላኽ ኃዲሪኩም እንተኣልዩስ ብመንፈስ እምበር ብሥጋ ኣይኮንኩምን ዘሎኹም እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን’’ (ሮሜ.8:5-9) ;
ናይ መላእ ዘመና ኣነባብራና ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዝቐንዐ እንተኾይኑ ኩሉ ሰብነትና ዝተለወጠ ስለዝኸውን ብሥጋ ክንነብር ኣይኮነልናን እዩ። በዚ መሠረት እቲ ክንፈልጦ ዘገድሰና ሓቂ እምበኣር ‘’ ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተደኣልዩ ግና በቲ ሓደ ወገን እቲ ሥጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ…በቲ ሓደ ወገን ከኣ እግዚኣብሔር ስለዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም ሕያው እዩ’’ (ሮሜ.8:10); ስለዚ ተሓዲስና ጉድለትና ተኣሪምና ብዝስማዕ መገዲ ጸሎትና ልመናናን ናብ ኣምላኽ ነቕርብ; ሥጋና ንቆጻጸሮ ምጥርጣር ከኣ ካብ ሕይወትና ከርሕቐልና ንኣምላኽና ኣበርቲዕና ክንልምኖ እምነት ወስኸና ክንብሎ እውን ኣብ ጸሎት ክንጽውዖ ኣሎና;
እምበኣርከስ ሓርነትና ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ከይጠፍእ ነቲ ናይ ወትሩ ጸላኢና ዲያብሎስ ኣብ ጸሎትን ንባብ ቃል ኣምላኽን እናተቓወምና መንፈሳውነትና ከነዕብን ክነሰስንን ጸሎት ቀዳማይ ስራሕና ምዃኑ ፈሊጥና ኣብ ጉዕዞና በዚ መገዲ’ዚ ክንምራሕ ክንውስን የድልየና; ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣስተማቒሩ ዓቢ ነገር ዝጸሓፈ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጸሎት ተጸመዱ ዝበሎ ቃል ከም መምርሒ ወሲድና ከየቋረጽና ክንጽልን እቲ ዝለመናዮ ካብ ኣምላኽ ብምዱብ ግዜኡ ከም ዝህበና ኣሚንና ክንቅበል እቲ ሕያው ቃሉ ከነቓቕሓና ንለምኖ;
ኣባ ዮናስ ዮሓንስ
0 Comments