ሊጡርጊያ ምንጭን ፍጻሜን ሕይወት ክርስትና ኢዩ (ቅ. ጉባኤ 10)፣ ቅዱስ ጉባኤ ንሊጡርጊያ ካብ ኵሉ ተግባራት ክርስቶስ እቲ ዝለዓለ ቦታ ይህቦ፣ ኵሉ ተግባር ናይ ቤተርስቲያን ናብኡ ኣቢሉ የቅንዕ፣ ኵሉ ኃይሊ ቤተክርስቲያን ከኣ ካብኡ ይፍልፍል፣ ሊጡርጊያ ፍጻሜ ናይ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተግባርን ኢዩ፣ ምንጪ ናይ መለኮታዊ ሕይወት ኢዩ፣
ሊጡርጊያ እንታይ ኢዩ? ሊጡርጊያ ሓደ ዓይነት መግለጺ ዘይኮነስ። ዝተፈላለዩ መግለጺ ኣሎዎ፣ ፖል ሁን ዝበሃል ተመራማሪ ሥርዓት ኣምልኾ እግዚኣብሔር ስለ ድኅነት ሰባት ብኢየሱስ ገይሩ ዝፍጽሞ ተግባርን። ሰባት ንተግባር ድኅነት እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ገይሮም ዝህቡዎ መልስን ኢዩ ይብል፣ ፒተር ብሩነር ዝበሃል ከኣ ሊጡርጊያ እግዚኣብሔር ንደቅ-ሰባት ኢሉ። ደቅ-ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሔር ኢሎም ዚፍጽሙዎ አገልግሎት ኢዩ ይብል (ኀሙስ ጽግቦ)፣ ጆርጅ ፍሎሮቭስኪ ዝበሃል ከኣ ኣምልኾ ንጸዋዕታ ኣምላኽ መልሲ ምሃብ ኢዩ ይብል፣ አብ ጽሑፋት ናይ ቤተክርስቲያን ካቶሊኽ እንተ ተመልከትና ከኣ ሊጡርጊያ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ውዳሴን ናይ ደቅ-ሰባት ከኣ ድኅነትን ቅድስናን ኢዩ ይብል፣ ር. ሊ. ጳጳሳት ፕዮስ 12 ኣብ ዓዋዲት መልእኽቶም Mediator Dei ዘርእስታ ሊጡርጊያ ናይ’ቲ ርእሲ ቤተክርስቲያን ዝኾነ መድኃንን። ናይ’ታ ሰውነቱ ዝኾነት ቤተርክስቲያንን ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ዜዕርጉዎ ውዳሴ ኢዩ ይብል፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ሊጡርጊያ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ናብ መሥራቲኣ ክርስቶስ። ብኣኡ ገይራ ከኣ ናብ እግዚኣብሔር አቦ እተዕርጎ ክብርን ወዳሴን ኢዩ ይብል… ወዘተ፣ እዚ ሓድሐደ መግለጽታት ሊጡርጊያ ኢዩ፣
ጀማሪ ናይ ሊጡርጊያ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኢዩ፣ እግዚኣብሔር ምድራውያን ዝኾኑ ደቅ-ሰባት ደቁ ገይሩ። ኣብ መለኮታዊ ሕይወቱ ኬሳትፎም ቢሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድሪ ወረደ፣ ኣብ ሊጡርጊያ ናይ እግዚኣብሔር ውህበት ገዛእ-ርእሱ ነብዕል ንቅድስ፣ Liturgy is the Celebration of the Truine God. ሊጡርጊያ ናይ’ቲ ሥሉስ ኣምላኽ ግብረ-ኣምልኾ። ምፍጻም ኢዩ፣ ይቅጽል…