1. ምስጋና እንታይ ማለት እዩ
– እግዚ/ር ኣምላኽ ስለዝኾነ ብኡኡ ምምሳጥ ማለት እዩ/ ዜና.መ.29:10-13
– ስለዘገርም ባህርያቱን ተግባራቱን ምምስጋን ማለት’ዩ ኢስ 25:1
– ዳግነቱን ብሉጽ ምኻኑን ምውራይ ማለት’ዩ 1ጰጥ 2:9
– ንኣምላኽ ምብራኽን ምኽባርን ማለት’ዩ ዳኒ 4:34
– ንስሙ ምዕባይ ማለት’ዩ መዝ 34:3
– ንኣምላኽ ልዕል ምባል ማለት’ዩ መዝ 99:5
– ንዕኡ ምድናቕን ብኡኡ ምግራምን ማለት’ዩ 2ተሰ 1:10
2. ንእግዚ/ር ስለምንታይ ከነመስግኖ ይግባኣና
– ንኽንውድስ ኢና ተፈጢርና ኤፈ 1:3-14 ኢሰ 43:21
– ምስጋና ስለዝግብኦ ነመስግኖ ራእ 5:9-14
– ባህ ዘብሎ መስዋእቲ ምስጋና ስለዝኾነ ነመስግኖ ዕብ 13:15-16
– ኣህዛብ ዕብየቱ ምእንቲ ክፈልጡ ከነመስግኖ ይግበኣና መዝ 66:5-8
– ዝገበሮ ተኣምራት ንምዝካር መዝ 98:1
– ኣብ ማህሌት ህዝቡ ስለዝነብር ምዝ 22:3
– ምእንቲ በረኸት ክንቅበል መዝ 67:5-6
– እምነትና ክብርትዕን ክድልድልን ሮሜ 4:20
– ትእዛዝ እግዚ/ር ስለዝኾነ መዝ 146:1 መዝ 100:4
3. መኣስ ከነመስግን ይግበኣና
– ኩሉ ግዜ ኩሉ መዓልቲ መዝ 34:1 መዝ 145:2
– ኩሉሳዕ ኩነታት ብዘየገድስ ዕብ 13:15
4. ከመይ ጌርና (ብምንታይ) ከነመስግኖ ይግበኣና
– ብቃላታና ብምዝራብ ብምንጋር መዝ 9:1
– ብመዝሙር ዘሚርካ መዝ 104:33
– ብመሳርሒ ሙዚቃ መዝ 150:3-5
– ብስግደት መዝ 95:6
– ኣእዳውና ብምልዓል መዝ 134:2
– ብሳዕስዒት/ንክብሪ እግዚኣብሄር/ መዝ 150:4
5. ንመን ወትሩ ክነመስግን ከምዝግባእ
* ንእግዚ/ር ኣቦ፦ ስለዕቤቱ:ግርምኡ:ቕድስናኡ:ፍቕሩ:እምነቱ:ፍርዱ:ሳህሉ:ጥበቡኩሉ
ከእልነቱ:ተኣምራታቱ ተስፋታቱ
* ንእግዚ/ር ወልድ፦ ስለመስዋእቱ:በጃነቱ:ዓወቱ:ደሙ:ስሙ:ኣብነቱ:ትሕትናኡ:ዓቅሉ:ድንጋጸኡ
ጎይነቱ
* ንእግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ስለህላውነቱ ለውሃቱ ምጽንናዑ ትምህርቱ ምርሒቱ
ስለዳግም ዝወለድን ዝሕድስን ዝቅድስን ሃይሉ ስለፍረኡን ህያባቱን
– ከምኡ ድማ ስለባህርያዊ ጸጋታት ብርሃን ጸሓይ ወርሒ ከዋኽብቲ ኣየር ጥዕና ዝናብ ዕለታዊ እንጌራ መጽለሊ ቤትና
6. ቅኑዕ ርድኢት ሒዝና ከነመስግን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ
– ብቅኑዕ ልቢ ከነመስግን ኣለና መዝ 119:7
– ብምሉእ ልቢ ክነመስግን ኣለና መዝ 138:1
– ብመንፈስ ክነመስግን ኣለና ዮው 4:23-24
– ብሓቂ ክነመስግን ኣለና ዮው 4:23-24
Abba Yonas Yohanes
Rome 2014
0 Comments