ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡
ወንጌል
ማቴዎስ 21 – Matthew
1ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት-ፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም። 3ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ። 4-5እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዅሉ ዀነ። ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። 7ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሔ። 8ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። 9ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 10ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተዉ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት። 11እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ በዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ።
1ይ ንባብ
ኢሳይያስ 50 – Isaiah
4ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን። 6ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን። 7እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ።
2ይ ንባብ
ፊሊጲ 2 – Philippians
6ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። 7መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። 8ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። 9-11ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ።
0 Comments