7ይ ሰንበት ዘመርዓዊ ቅበላ
ሮሜ.9፡1-16, 1ጴጥ.2፡20-25,
ግሓ.11፡1-18, ዮሓ.4፡1-26
ሎሚ ብስርዓት ግእዝ ሰንበት ዘመርዓዊ ቅበላ ተባሂላ ትጽዋዕ። ከምኡ ከኣ እዛ ሰንበት እዚኣ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘበነ ኣስተርእዮ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኢየሱስ ኣይሁድ ብዘቅረብሉ ሕቶ፡ ንመንነቱን ንዕላማኡን፡ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ሓድነትን ስምረትን ብግልጺ ርአድኦም። ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ኸኣ ኢየሱስ ነዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን፡ መንገዲ ዘለዓለማዊ ድሕነትን፡ ሓቀኛ ኣምልኾን ስግደትን፡ ጽምኣት ኣምላኽ ንነፍሲ ወዲ ሰብን ኪገልጸላ እዩ።
ዮሓንስ 4፡1-26
<<—-ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ኣዕረፈ፣ ሽዑ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸኣ ማይ ክትቀድሕ መጸት፣ ኢየሱስ ድማ <<ማይ ኮቲ ኣስትይኒ>> በላ። ደቂ መዛምርቱ ግና መግቢ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ከይዶም ነበሩ>>/ቁ.6/
ኢየሱስ እቲ መድሓኒ ዓለም ኣብቲ ጨው ቀትሪ፡ ኣብቲ ፍርቂ መዓልቲ ማይ ደልዩ፡ ኣብ ሩባ ሩባ ዔላታት ሀሰስ ይብል። ኣብ ጎድኒ እታ ማይ ክትቀድሕ ዝጸነሓቶ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብራኹ ዓጺፉ ከም ሓደ መንገደኛ፡ ከም ሓደ ጓና ሓላፍ መንገዲ ብትሕትና <<ኣቲ ሰበይቲ ማይ ኮቲ ኣስትይኒ>> እናበለ እቲ ካብ ሰማየ-ሰማያት ንዓና ኪደሊ ናብ ምድሪ ወሪዱ ኣብ ማእከልና ዝሓደረ፤ ኢየሱስ ንርእሱ ዝስተ ማይ ከም ዝደለ ኣምሲሉ ብጽምኢ ነፍሳትና ነቒጹ ሃሰስ ይብለና። <<ማይ ኮቲ ኣስትይኒ>> እናበለ ብዘይ ምሕላል ይደልየና። ካብቲ መጨረሽታ ናይ ፈነወ ሰዓት፥ ኣብ ቀራንዮ ከይተረፈ እናተጋዕረ ዘቕርቦ ልመና፡ <<ጸሚኤ>> ዝብል እዩ። እወ እቲ ወሃቢ ሕይወት፡ ንነፍሲ፡ ነፍሲወከፍና ከም ማይ ይጸምኣና፡ ከምቲ ጽሙእ ጽምኡ ከርዊ ናብ ዓይኒ ማያት ከይዱ ዓንገረር ዝብል፤ ኢየሱስ ከኣ ንዓና ኪደሊ እዩ ጨው ቀትሪ ኣብ ዓላታት ያዕቆብ ሃሰስ ዝብለና ዘሎ።
ኢየሱስ ነዛ ሳምራዊት ሰበይቲ <<ማይ ኮቲ ኣስቲይኒ>> ይብላ። ማይ ኣብ ሓድሽ ኪዳን መጋበሪ ናይ ምስጢረ ጥምቀት እዩ። ኣድላይነት ማይ ኣብ ተፈጥሮ ዓለምን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን ግልጺ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኣጻምእ ምድረ በዳን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ፡ ንሰብኣ-ሳግምን ሓረስቶትን ኣድላይነቱ ነጺሩ ይረኣየና። ማይ ሓያልን ግን ከኣ ትሕቱን ክቡርን ንጹሕን ቅጽላት ኣለዎ። ንዝነቐጸ ምርዋይን ንዝረሰሐ ብምሕጻብን፡ ዳግም ናይ ምፍጣርን ምሕዳስን ሓይሊ ኣለዎ። ኣብ ንቑጽ መሬት ዝተኻዕወ ዘርኢ ዳግም ኪፍጠር/ ኪበቁል/ ሕይወት ኪህልዎ ማይ የድልዮ።
ኣብ ብሉይ ኪዳንውን እዚ ባህርያዊ ማይ መንፈሳዊ በረኸት ለቢሱ እዩ። ኣብ ሕዝቅኤል ነቢይ ከምዚ ይብል፡ <<ጽሩይ ማይ ኪነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኹሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኩሎም ጣዖታትኩምን ከጽርየኩም እየ>>/ሕዝ.36፡25/ ይብሎም። ማይ ኣብ ጉዕዞ ምድረ በዳ ሕዝቢ እስራኤላውያን ምስጢር ሕይወት ኣለዎ። ሕዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ኣብ ረፈዲም ምስ በጽሑ፡ ዝስተ ማይ ስለ ዝሰኣኑ ንሙሴ ተቛየቑዎ፡ ብእግዚኣብሔ ከኣ ኣግረምሮሙ፡ ንሙሴ ከኣ ዓቕሉ ክሳዕ ዝጸቦ ኣጨነቕዎ። ሙሴ ከኣ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ናብ እግዚኣብሔር ተማህለለ፡ <<እነሆ! ኣነ ኣባኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ኮሬብ ደው ኪብል እየ። ነቲ ኸውሒ ከኣ ክትወቕዖ ኢኻ፡ ነቶም ሕዝቢ ዜስቲ ማይ ድማ ካባኡ ኪወጽእ እዩ በሎ>> /ዘጸ 17፡1-6/ በዚ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ሕይወት ሂቡ ሓልዮቱን ፍቅሩን ህላዌኡን ይረጋግጸሎም።
ቅ.ጳውሎስ ነዚ ኣብ ምድረ-በዳ ካብ ንቑጽ ከውሒ ዝወጽእ ዝነበረ ዓይኒ ማይ ከምዚ ይብሎ፡ <<ኹላቶም ሰዓብቲ ሙሴ ኾኑ ብደበናን ብባሕርን ተጠመቑ። ኩላቶም ከኣ ሓደ መንፈሳዊ መግቢ በልዑ፣ ኩላቶም ከኣ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ከመይ ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ከውሒ ሰትዮም እዮም። እቲ ከውሒ እቲ ኸኣ ክርስቶስ እዩ>>/1ቆሮ.10፡2-4/ ይብለና። ክርስቶስ ከኣ ነዚ ከመልክተልና፡<<ዝጸምአ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። እቲ በኣይ ዝኣምን።—ካብ ውሽጡ ሩባታት ሕይወት ኪውሕዝ እዩ>> /ዮሓ.7፡37-38/ ይብለና።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ከም ዝሰማዕናዮ ኢየሱስ ምስ እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ መሳጢ ዝኾነ ወግዒ ወይ ዕላል እዩ ዝገብር። ኣብዚ ነዊሕ መሳጢ ዕላል፤ ማይ ኣምሳላዊ ትርጉም እዩ ዘለዎ። ክርስቶስ ከኣ ሓደ ዘይውዳእን ዘይነጽፍን ሕያው ዝኾነ ማይ ከምዘለዎ እዩ ዘዕልላ። ካብዚ ማይ እዚ ዝሰቲ ኸኣ ሕያውን ፍርያምን፡ ካብ ውሽጡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዝፍልፍል ሕያው ማይ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጸላ። እታ ሰበይቲ ከኣ ኣብ መንጎ ሳምራውያንን ኣይሁዳውያንን ዘሎ ዓሌታዊ ጽልኢ ከይሓበአት ብናይ ኢየሱስ ልማኖ፡ ብምግራም ስለምንታይ ማይ ከተስትዮ ከም ዝሓተታ ተመሊሳ ትሓቶ። ኢየሱስ ከኣ ኪኖ ቃላታ ሓሊፉ፡ <<ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጥስ፣ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፣ ንሱ ኸኣ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነይሩ>>/4፡10/ እናበለ ምስጢራዊ ህያብ ከም ዘለዎ ይገልጸላ።
ኢየሱስ ክንደይ እዋን እዩ ነታ ብደሙ ሓጺቡ፤ ዘንጸሓን ዘጽረያን መለኮታዊት ነፍስና፡ ምሳኡ ኣብ ቅድሜኡ፡ በቲ ንሱ ዝደልዮ መንገዲ ኪመርሓን፡ ፈርያም ኪገብራን ኣብ ኢዱ ከነረክቦ እሞ ዘይ ሓተተና?
ኢየሱስ ክንደይ እዋን ኮን እዩ፡ ጽሙእን ዕሩቑን ጥሙይን ኮይኑ ዓናቕጽ ቤትና (ኣልባብና) ዘይዃሕዀሐ?
ኢየሱስ ክንደይ እዋን እዩ`ሞ፡ ኣብቲ ንሓላፍን በናንን ዘየርውን ዘይጥልልን ናብራ ዓለም ክንግልልን ክንቀድሕን ሃሰስ ክንብል ዘይረኸበና?
ኢየሱስ ክንደይ እዋን እዩ’ሞ ፡ እዚ ከንቱ ምዃኑ ተረዲእና ናብኡ ክንምለስ ዘይሓተተና?
ሎሚ ኢየሱስ ነታ ብደሙ ሓጺቡ ብሞቱ ዝቐደሳ ነፍስና፡ ናቱ ክትከውን ሎሚ ብትሕትና ከነረክቦ ይሓተና ኣሎ። መልስና እንታይ እዩ፧ ነዚ ዝጸመአ ኢየሱስ፡ ሎሚ ንጽምኡ ከነርውየሉ ንደሊዶ፧ እወ!! እሞ ነታ ዝፈትዋ ነፍስና ንሃቦ።
ኣሕዋተይ ሎሚ ኢየሱስ ንነፍስና ይጸምኣ ኣሎ፥
ሎሚ ንነፍስና ሃረር ይብላ ኣሎ፤
ሎሚ ነፍስና ናቱ ክትከውን ይምነያ ኣሎ፤
እሞ ማይ ሕይወት ኪህበና ናባኡ ንመለስ።
ምኽንያቱ ከምዚ ኢሉና እዩ፣ <<ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዝፍልፍል ዕይኒ ማይ ኪኾነሉ እዩ እምበር ንዘለዓለም ኣይኪጸምእን እዩ>>/4፡14/ ይብለና።
ዝኸበርኩም ሕዝበ ክርስትያን ነዚ ማይ ሕይወት ዘለዓለም፡ ንዘለዓለም ኣብ ሕይወትና ኪፍልፍል ግና፥ ዝተነሰሐ ልብን ዝጸረየ መንፈስን የድልየና። እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ነዚ ኢየሱስ ዝብሎ ክትቕበል ክርስቶስ ብሓጢኣታ ክትጥዓስን፡ ካብ ሓጢኣታ ክትምለስን ቀስ እናበለ እዩ፡ ንምስጢር ሕይወታ ከምእትፍትሾን ከም እትገልጾን ዝገብራ። እታ ሰበይቲ ከኣ፡<<ጐይታ ከይጸምእ እሞ ኺቀድሕ ድማ ናብዚ ከይመጽእሲ፤ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ>> በለቶ። ኢየሱስ ከኣ<<ኪዲ ሰብኣይኪ ጸውዒ በላ>>/4፡15/ እዛ ሰበይቲ ወላ ካብ ግዙፍ ኣተሓሳስብኣ እንተዘይ ተበራበረት፡ ነቲ ዘለዓለማዊ ማይ ናይ ምስታይ ዘለዋ ድሌትን ትምኒትን ሃረርታኣ ገሊጻ እያ። ኢየሱስ ከኣ ነዚ ገርሀኛ ድሌታ ርእዩ፡ ናብ ቤቱ ካብ ምእታው ኣይከልከላን። ቀስ ብቀስ ናብቲ ምስጢር ሕይወት ከምእትወርድ ብምግባር፡ ናብ ዝለዓለ እምነት ከም እተምርሕ ይገብራ። <<ሰብኣይ የብለይን ብምባልኪ ጽቡቕ ተዛሪብኪ። ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይረሙኺ እዮም። እዚ ሕጂ ምሳኪ ዘሎ እውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛሪብኪ>> እናበለ ነቲ ንሳን ደቂ ዓዳን ዘፍልጥዎ ምስጢር ሕይወታ ምስ ገለጸላ ኪኖው እቲ ብግዙፍ ምሳኣ ዝዋሳእ ዘሎ ክርስቶስ ሓሊፋ፡ ብሕልናኣ ተረቲዓ ብኸንቱነታ ተኣሚና፡ ናብቲ መሲሕዊ ንጉስ ብቀስታ ትጥምት፡ ዓይኒ ዕይኑ እናጠመተት፤ <<ጐይታይ ንስኻ ነብይ ምኳንካ ገና ሕጂ ይርድኣኒ ኣሎ>> ትብሎ።
ዝኸበርኩም መእምናን ሎሚ ኩልና፤ እስኪ ከምዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ኮይና ብገርሀኛ ልብን ብዓሚቕ መንፈሳውነትን ብውዕውዕ እምነትን ምስ ኢየሱስ በይንና ኣብ ጽምዋ ልብና ወሪድና ነዋዕግ። ንሱ ኸኣ ኣብኡ ወሪዱ ኪሓተናን ኪልምነናን ኪምህረናን ኪማርኸናን እዩ። ኢድና ዘርጊሕና ልብና ከፊትና ኩልንትናና ብናጽነት ነረክቦ። ንሱ ድማ ንሕይወትና ለዊጡ ብጸጋታቱ ሰሊሙ ብእምነት ከዕብየና እዩ።
o እዛ ሳምራዊት ካብቲ ሩባ ምስ ክርስቶስ ምስ ተራኸበት እንታይ ሒዛ ናብ ቤታ ተመሊሳ?
o እዛ ሰበይቲ ከመይ ኮይና ተለዊጣን ተነሲሓን?
o ሎሚ ንሕና እንታይ መሲልና ናብ ቤትና ንምለስ ኣሎና?
o ብክርስቶስ ተለዊጥናን ተሓዲስናንዶ ንምለስ ኣሎና?
0 Comments