ብዕለት 8 ጥቅምቲ 2013 ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ ኣብ ምዕርፎ ነፈርቲ ካልጋሪ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ብምእመናን ቅድስት ሥላሴ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩሎም። ምስቲ ዝተቀበሎም ምእመን ናይ ድራር እንግዶት ተጌሩሎም።
ካብ ዕለተ 9 – 11 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ምስ ግዱሳት ካቶሊካዊያን ከባቢ ካልጋሪ ብስልኪ ይኹን ብኣካል ርክባት ኣካይዶም። ከምኡ`ውን ምስ ክቡር +ኣቡነ ፍሬደሪክ ሄነሪ ጳጳስ ከተማ ካልጋሪ ተራኺቦም።
ብዕለተ 12 ጥቅምቲ ብሽማግለታት ቅድስት ሥላሴ ከተማ ካልጋሪ ናብ ባንፍ (Banff National Park) ዙረት ኣካይዶም። ድሕሪ ዙረት፡ ኣብ St. Marry Cathedral ምስ ኩሎም ሸማግለ ቤተክርስትያን ርክብ ኣካይዶም።
ብዕለተ 13 ጥቅምቲ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ ምስ ሕዝቢ መስዋእቲ ቅዳሴ የዕሪጎም፡ ካብኡ ብምቕጻል ብሕዝቢ ዝተገብረሎም ናይ ድራር እንግዶት ተጌሩሎም።
ክቡር +ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ኣብ ካልጋሪ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ዕውት ጉስነታዊ ዑደት ኣካይዶም፡ ብዕለት 14 ጥቅምቲ ናብ ዊንፔግ ተፋንዮም።

0 Comments