ቅዱስ ቁርባን እቲ ዘንተ ዕለት ካብ ዓይኒ እግዚኣብሔር ዘይክወል መኣዲ ናይ ቅድስቲ ሥላሴ ካልኣይ ኣካል ዝኾነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሓላፍን መዋትን ባህርና ማለት ሥጋና ለቢሱ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ዓራቕን ንምዃን ናይ ኩሉ ሰብ ካህንን ልዑል መሥዋዕትን ኮይኑ ከድሕነና መጸ፣ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቀራንዮ ብምውፋይ ነቲ ንሕና ንኣምላኽ ዝበደልናዮ ካሕሳ ከፊሉ ንደቂ ሰብ ብፍጹም […]